Erena - erena.org

General Information:

Latest News:

ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ መኣዲ ዘተ ክቐርባ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ሱዳን ጸዊዑ 26 Aug 2013 | 07:30 pm

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኣህጉራዊ ዝምድናታትን ደቡብ ሱዳን በንጃሚም በርናባ ማርያል ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መንጉአን ዘሎ ገና መዓልቦ ዘይረኸብ ምስህሓብ ንምፍታሕ ናብ ናይ ዘተ ክቐርባ ክቐርባ ጸዊዑ።

‘መንግስቲ ኤርትራ ካብ ተነጽሎ ተገላጊሉ ናብ ቁጠባዊ ምዕባለ ከቛምት’ዩ ዝደሊ’ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል 23 Aug 2013 | 01:57 pm

መንግስቲ ኤርትራ ካብዚ ገጢምዎ ዘሎ ተነጽሎ ተገላጊሉ ናብ ቁጠባዊ ዕብየትን ምዕባለን ከቛምት ከምዝደሊ ኣፈኛ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣቶ የማን ገብረመስቀል ምግላጹ AFP ሓቢሩ።

ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 500 ስደተኛታት ኣብ ገማጋም ባሕሪ ኢጣልያ ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ድሒኖም 23 Aug 2013 | 01:56 pm

ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 568 ስደተኛታት፣ ብ20 ነሓሰ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ድሒኖም።

Article:- ሓድሽ ፕሮጀክት ምህናጽ ኣባይቲ ኣብ ኣስመራ፣ ጸገም መንበሪ ኣባይቲ ንምፍታሕ ዶ ወይስ ካዝና ህግደፍ ንምድንፋዕ? 21 Aug 2013 | 03:08 pm

ኣብ ኣስመራ ፕሮጀክት ምህናጽ መንበሪ ኣባይቲ ሓድሽ ተርእዮ ኣይኮነን። ቅድሚ’ቲ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ 1998 ዝተኻየደ ኵናት ብሰምበል ኮምፕሌክስ ሃውሲንግ ዝፍለጥ ብናይ ኮርያ ኩባንያ ኪንግናም ዝተሳለጥ ፕሮጀክት ምንባሩ ዝርሳዕ ኣይኮነን።

ኣብ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ በብእዋኑ ዝርአ ዘሎ ምግምማዕ ንገስጋስ ዴሞክራስያዊ ለውጢ የናውሖ ምህላዉ ተገሊጹ 21 Aug 2013 | 02:13 pm

ኣብ ዝተፈላለየ ውድባትን ደምበታትን በብእዋኑ ዝርአ ምግምማዕን ምፍንጫላትን፣ ንሓድነት ናይቲ ኣብ ኤርትራ ደሞክርስያዊ ለውጢ ክህሉ ዝምነዩን ዝጽዕሩን ኤርትራውያን የማህምኖ ከምዘሎ ዝገለጹ ስሞም ክዕቀበሎም ዝመረጸ ኤርትራዊ ዲፕሎማሰኛ፣ ብፍላይ እቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝነብር ህዝቢ ካብቶም ብ ግዳም ዝርከብ ደምበ ተቓውሞ...

“ኣብ ፍጻሜ 21 ጥሪ ስርሒት ፎርቶ ቕዋም ክትግበርን ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑን ከንብብ ኣይተገደድኩን” ሓላፊ ኤሪ ቲቪ ጋዜጠኛ ኣስመላሽ ኣብርሃ 21 Aug 2013 | 02:12 pm

ኣብ 21 ጥሪ ለውጢ ዝሓተቱ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ንሚኒስትሪ ዜና ንሓደ መዓልቲ ኣብ ዝተቖጻጸርሉ እዋን፣ ሓላፊ ክፍሊ ቴሌቪዥን ኣስመላሽ ኣብርሃ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑን ቅዋም ክትግበርን ዝጠልብ ጻውዒት እቶም ሰራዊት ከተንብብ ተገዲድካ ንዝብል ብAFP ዝቐረበሉ ሕቶ ሓሶት’ዩ ክብል ከምዝመመለሰ ግሎባል ፖስት ...

ሓድሽ ፕሮጀክት ምህናጽ መንበሪ ኣባይቲ ኣስመራ ጸገም መንበሪ ኣባይቲ ንምፍታሕ ዘይኮነ ካዝና መንግስቲ ንምድንፋዕ ዝዓለመ’ዩ ተባሂሉ 19 Aug 2013 | 01:45 pm

ብዋሕዲ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ኣብ ከቢድ መዋጥር ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ወጻኢ ንዝርከቡ ዜጋታት መንበርን ናይ ትካላት ኣባይትን ብምህናጽ ክሸጠሎም መዲቡ ከምዘሎ ጎስጓስ የካይድ ኣሎ።

መጓዓዝያ ካብን ናብን ኣስመራን ካልኦት ከተማታት ኤርትራን እናበኣሰ መጺኡ 19 Aug 2013 | 01:43 pm

ካብ ኣስመራ ናብ ካልኦት ከተማታት ዝገይሽ ህዝቢ፣ ብሰንኪ ዋሕዲ መጓዓዝያ ሪጋ ንምሓዝ ኣብ ፈቐዶ እንዳውቶቡሳት ይሓድር ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

ኣባል ሚኒስትሪ ዜና ፕሮግራም ኣምሓርኛ ጋዜጠኛ በረኸት ኣብርሃም ብኽሲ ስግረ ዶብ ንኻልኣይ ግዜኡ ተኣሲሩ 16 Aug 2013 | 01:28 pm

ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ኣባል ክፍሊ ኣገልግሎታት ወጻኢ፣ ፕሮግራም ኣምሓርኛ ጋዜጠኛ በረኸት ኣብርሃም፣ ብክሲ ስግረ ዶብ ንኻልኣይ ግዜኡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝኣተወ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ፕረዚደንት ሙጋበ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ሰዲዱ 16 Aug 2013 | 01:25 pm

መንግስቲ ኤርትራ፣ ደጊሙ ከምዝተዓወተ ንዝገለጸ ፕረዚደንት ዚምባብዌ ሮበርት ሙጋበ ናይ እንቛዕ ሓጎሰካ መልእኽቲ ከምዝልኣኸ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

Recently parsed news:

Recent searches: